ዋሽንግተን ዲሲ:15 መስከረም 2014 ዓ/ም (TMH) ምምሕዳር መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩናት ከብቅዕ ንክልቲኦም ተፋለምቲ ኣካላት ዝሃቦ ግዘ ከም ዘብቅዐ ተገሊፁ።
ማዕኸን ሓበሬታ ኣልኣሕራም ካብ ምምሕዳር ዋይት ሃውስ ረኺበዮ ኢሉ ኣብ ዝወፅኦ ፀብፃብ ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ትግረይ ዘሎ ኩናት ንከብቅዕ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከም ዘሕለፈ እዩ ገሊፁ። ኣብቲ ኩናት ይሳተፉ ዘለው ተፃባእቲ ሓይልታት ፣ብፍላይ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብተደጋጋሚ ፃውዒት ቶክሲ ደው ምባል ገይሮም ናብ ዘተ ክመፁ ፃውዒት እኳ እንተቐረበ ኩሎም ኣካላት ነዚ ተቐቢሎም ተግባራዊ ምግባር ከም ዘይክኣሉ እዩ ኣረዲኡ። ንፃውዒት መንግስቲ ኣሜሪካ ሸለል ብምባል ፣ ህይወት ዜጋታት መዓልታዊ ብኹናትን ጥሜትን ይረግፍ ኣሎ ዝበለ እቲ መርበብ ሓበሬታ ፣ በዚ ፍፃመ ምምሕዳር ኣሜሪካ ትዕግስቱ ከም ዝፀንቀቐ ኣስፊሩ ኣሎ። መንግስቲ ኣሜሪካ ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን እገዳ ጉዕዞ ኣምቢሩ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሐዚ ክመፅእ ዝኽእል እገዳ ግን ካብዚ ዝተፈለየ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝእመን ክብል ኣል ኣሕራም ፀብፂቡ ኣሎ። ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ዲፕሎማሲኛታት ኢትዮጵያ፣ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እተንብሮ እግድ ንምንቅስቃስ ንግዲ ኣጎዋ ከይሓውስ ተደጋጋሚ ምሕፅንታ የቕርቡ ከምዘለው ድማ ኣል ኣሕራም እኹል መረዳእታ ኣለኒ ክብል ገሊፁ ኣሎ። እቲ ሐዚ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ቀሪቡ ዘሎ መፀዋዕታ መንግስቲ ትግራይ እኹል ድጋፍ ከም ዝህበሉን እዚ ንምትግባር ቅሩብ ምኳኑ ብስሩዕ ደብዳበ ዘፍለጠ ኾይኑ፣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣሉታዊ ምላሽ እዩ ሂቡሉ። ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ እዋናዊ ጉዳያት መሰረት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፣መንግስቲ ኣብይ ንዘተ ዝተገበረሉ ፃውዒት ብምንፃግ እቲ ኩናት ብሓይሊ ክውድእ ድሌት ከምዘለዎ ኣረዲኦም እዮም።
Tigrai Media House

No comments:
Post a Comment